ALENALKI

About us

 |  Friday, 11 October 2013 02:00
Read 16717 times | 
Rate this item
(0 votes)

ጋንታ ኣለናልኪ!


ኣለናልኪ ንሃገራዊ ረብሓን ሰላምን: ንሓድነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ እትሕለቕ: ንኹሉ ጸረ-ሃገርነትን ጸረ-ጸጥታን ጸረ-ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራን ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ንዝግበር ናይ ጸይቀ ዕሉላት ዘመተ ንምቅዋም ተበጊሳ ኣላ:: ጋንታ ኣለናልኪ ነዚ ንጹር መርገጽ ብምውሳድ ኣብዚ ሎሚ ንመንግስትናን ሃገርና ኤርትራን ንምድኻም ዝግበር ፈተነታት ብምንጻግን ንኹሉ ህንዱድ ፈተነ ተጻባእቲ ንምቅላዕ ዝተደኮነ መርበብ ኢንተርኔት እያ:: ኣብ ጉዳይ ሃገርናን ምዕባለናን ርግኣትናን ተጉላባን ቀ-ዓለምን የብልናን:: ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ጸሊም ምባል ዝፍተዋ ጋንታ ኣለናልኪ ንኹሉ ክድዓት-ሃገር ኢላ ትገልጾን: ንኹሎም ብሸፈጥ ዲሞክራሲን ካልእ ምስምሳትን ንረብሓን ጸጥታን ሃገርና ንምድኻም ዝሕልኑ ሃሱሳት ከምንቃለሶምን ነቃልዖምን ነፍልጥ::

ንኹሉ ብንጹህ ልብን ሓቀኛ ሃገራዊ ፍቕርን ነቒሉ ንዝወሃብ ርእይቶታትን ምኽርን ኩሉ ዓይነት ሃናጺ ነቐፌታን መርሓባ ትብል መርበብ ኣለናልኪ!!! ንኤርትራ ዘርብሕ ንኤርትራዊ ዘሳንን ዝሓቋቕፍን ርእይቶታት ሓንጎፋይ ትብል:: ርኡይን ዘይርኡይን ድኽመታትን ጉድለታትን ብንጹህ ልቦናን ሃናጽነትን ምንቃፍ ንመርበብ ኣለናልኪ ቅዱስን ተበሃግን እዩ::

ኣለናልኪ እንበኣር: ካብ ሓያል ፍቕሪ ሃገር ከምኡ ድማ ካብ ዱልዱል እምነት ውድብ ህ.ግ. ዝመንጨወ ጽኑዕ መርገጺ ነቒላ: ንሓቀኛ ሓበሬታን ሃናጺ ልዝብን ብሓደ ሸነክ: በቲ ካልእ ድማ ንምቅላዕ ኩሉ ጸረ-ሃገርን ህዝብን ጸረ-መንግስትን ውድብን ዝግበር ናይ ወይጦታትን ሃሱሳትን ዝተደናገሩን ዘመተ ንምቅላዕን ንምስባሩን ተበጊሳ ኣላ!!!

alenalki-l-2014 ንሃገርና ኣለናልኪ ንበላ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!

ጋንታ ኣለናልኪ!!!

Disclaimer

 |  Saturday, 01 January 2011 01:00
Read 16741 times | 
Rate this item
(0 votes)

Disclaimer & Copyright

We post articles as is, without edition or deletion. However, we reserve the right to reject articles that we consider to be discriminatory, offensive or unproductive. Opinions expressed here belong solely to the author and Alenalki.com is not responsible for their contents. Comments / questions relating to articles should be directed to the submitting author.

COPYRIGHT

Copyright 2003 alenalki.com. All rights reserved. Materials shall not be published, broadcasted, rewritten, transmitted, or disseminated otherwise without a prior written consent of Alenalki.com.

Thank you for your cooperation!

For comment write us at e-mail address: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.