Absolut fred finns bara i ERITREA!

 |  Tuesday, 07 June 2016 00:00

Saker och ting är mycket annorlunda än andra afrikanska platser Mary Harper BBC reporter besökt och medger att det är tvärtom vad Svensk media mestadels försöker skildra om landet.

መንግስ ከበዶም መርድእ

መርድእ

ብጻይናን ሓውናን ተጋዳላይ መንግስ ከበዶም ተኽልዝጊ፡ ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሕማም ኣብ ብዕለት 18 ግንቦት 2016፡ ኣብ መበል 57 ዕድሚኡ ዓሪፉ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝካየደሉ ዕለት ዓርቢ 27 ግንቦት፡

ፍትሓት ዝግበረሉ ሰዓት 9፡30 ቦታ Vårfrukyrkan (i Kortedala)

ቀብሪ ዝግበረሉ ሰዓት 13፡00 ቦታ Runstavsgatan 9, 415 08 Göteborg

ምብጻሕ ኣብ ሎካል ድሕሪ ቀብሪ ተዳልዩ ኣሎ።

እግዚኣብሄር ኣብ ገነቱ ይቀበሎ

ምሉኣት ስድራ ቤት መንግስ ከበዶም ተኽልዝጊ

ታሪኽ ሂወት ነፍሲ-ሄር መንግስ ከበዶም

መንግስ ከበዶም ብ10 ሰነ /1959 ፡ ካብ ኣቡኡ ነፍስሄር ከበዶም ተኽልዝጊን ኣዲኡ ኣብርሀት ተስፋይን ኣብ ኣስመራ ገዛ-ከኒሻ ተወሊዱ። ኣብ ዝተፈላለየ መባእታን ማእከላይ ቤት-ትምህርቲታትን ፥ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ነበር ፡ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ተማሂሩ።

ኣብ መወዳእታ ብ1974 ንሜዳ ንኺስለፍ ወጺኡ ፥ ምስ 36 ብጾቱ ንታዕሊም እንዳኸዱ እንከለዉ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተታሒዞም ናብ ኣስመራ ፡ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል 1975 ኣትዩ። ድሕሪ ናይ 4 ወርሒ ማእሰርቲ ካኣ ፡ ወዲ 15 ዓመት ስለዝነበረ ብዋሕስ ወጺኡ።

ብድሕሬኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ እንደገና ንሜዳ ወጺኡ። ድሕሪ ታዕሊም ምውድኡ ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ተመዲቡ ኣብ ከባቢ ዓላ ኪጋደል ድሕሪ ምጽንሑ ፡ ናብ ክፍለ-ሰራዊት 51 ተመዲቡ ውግእ ደቀምሓረ ብ1977 ፡ ውግእ ሰገነይቲ ፡ ቀጺሉ ውግእ ዓዲ-ቀይሕ ተኻፊሉ። ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ተወጊኡ ድማ ናብ ማእከላይ ሕክምና ኣትዩ።

ብድሕሬኡ ብምኽንያት ምስኣን ጥዕና ናብ ወተሃደራዊ ቤት-ጽሕፈት ተመዲቡ ምስ ጥዕናኡ ዚኸይድ ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ። ቀጺሉ ድማ ክሳብ ንሱዳን ዚኣቱ ፡ ኣብ ናይ ቁጠባ ሓላፍነት ሒዙ ኣብ ማይ-ድማ ንነዊሕ ዓመታት ክሳብ ወርሒ 02/1986 ተጋዲሉ።

መንግስ ብምኽንያት ጥዕና ብዙሕ ይሳቐ ስለዝነበረ ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ሃገረ-ሽወደን መጺኡ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ተገይሩሉ። ካብኡ ሰላማዊ ናብርኡ ኪመርሕ ጀሚሩ።

መንግስ በዓል-ሓዳርን ፡ ኣቦ 4 ቆልዑን እዩ። ብተወሳኺ ን12 ዓመታት ደኺመ ከይበለ ንህዝቢ ከተማ ዮተቦሪን ከባቢኣን ብተወፋይነት ከገልግል ጸኒሑ።

መንግስ ኣብ መበል 57 ዓመቱ ፡ ብዕለት 18 ወርሒ 05/2016 ብድንገታዊ ሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ንስድራ-ቤቱን ፈተዉን ጽንዓት ይሃቦም ፥ ንዕኡ ድማ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ።

Eritrean Jubilee Celebration Stockholm May 24

 |  Monday, 23 May 2016 00:00

Den 24:e maj kommer hundratals att fira Eritreas 25 årsdag på Sergelstorg i Stockholm.Live på bildskärm sänds från Eritrea!Spelas live musik&poesi.Tid från kl.14

Live Transmission of Celebration on Big LED Screen

Messages - Speeches - Poems

Live Music Ghebrelul, Debish, DifaE, Ahmed, Asmerom, Smret and more

Traditional Coffee, Food and Drinks, Merchandise

ቀጥታ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ካብ ኣስመራ ኣብ ዓቢ ተለቭዥን

መልእኽትታት መደረታት ግጥምታት

ሙዚቃ ብ ገብረልኡል፡ ደብሽ፡ ኣሕመድ፡ ድፋዕ፡ ኣስመሮም: ስምረት ምስ ሙዚቀኛታት

ባህላዊ ኣገባብ ቡን፡ ዝስተን መግን፡ ዝሽየጥ ኣቕሑት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ከተማ ሚላኖ፤ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝኾኑ ዜጋታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ተኸፊሎም እምነታዊ መንፈሶም ክመርሁ ምጽንሖም ይዝከር...

Media

ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እንቛዕ ንጽምብል 8 መጋቢት ኣብቀዓና ዮሃና ንብል። ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኩለን ንኡሳን ጨናፍር ገለ ብ27/2 መብዛሕተኤን 5 መጋቢት ገለ ድማ ብ12 መጋቢት 2016 ኣብ ትሕቲ ”ማዕርነት ድርዒ ንነባሪ ልምዓት” ዝብል ቴማ ጽንብል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ...

እቲ ካብ ኩለን ሃገራውያን ውዳቤታት ዝቖመ ባይቶ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብዕለት 19.03.16 ኣብ ከተማ ማንሃይምኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ: ፈስትቫል ኤርትራ ኣብ ጀርመንንቐዳምን ሰምበትን ዕለት02 ን 03 /07/2016 ንኽካየድ መደባቱ ሓንጺጹ።

መበል 12 ዋዕላ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ፡ ካብ 24 – 28 ሚያዝያ 2016፡ ”ውሁድ መኸተ ንልምዓትን ውዱን ሽርክነትን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ተቓኒዑ። ኣብ ዋዕላና ካብ ውሽጢ ኤርትራን 15 ሃገራት፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣሜሪካን ካናዳን ዝመጻእና 500 መንእሰያትን ዕዱማትን ተሳቲፍና።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ብዓል 8 መጋቢት ኣብ ከተማ ከለን ብዕለት 12.03.2016 “ማዕርነት ድርዒ ንነባሪ ልምዓት” ብዝብል ቴማ ብድምቀት ተኸብረ። መደብ ብዓል ብዝኽረ ስማእታት ተኸፍተ። ስዒቡ ኣደ ወንበር ማሕበር ወ/ሮ ልኡል ተወልደ ንተሳተፍቲ...

Day 1 Picture Report of 12th YPFDJ Conference

 |  Friday, 25 March 2016 00:00

Day 1 Picture Report of 12th YPFDJ Conference...

Media