Sunday, 17 January 2016 15:01

ወይጉድ

Rate this item
(7 votes)

Tsehaye senai 1

መርዓት ኣብምልሶት
ኣብቅርዓት ኣብምድሪቤት
ሓፋር እያ ንመቅርባ
ስለ ባህሊ ዝዓጅባ
   ሕጂ ከኣ

እገዳ ኣብማሕበረሰብ ዓለም
ንኤርትራ ኣብኣ ኣብዛ ዓለም
ሓዊሶም ምስረኣይዋ
ጸብለል ኢላ ልዕሊ ግዋ
ብብራከ ዘይኮነስ ግዋ ታሪክ ኣለዋ
ኢረይ ከኣ ጸብለል ኢላ
ብዕጽምቲ ስዉኣታ ተከሊላ
     እሞ ሕጂ ደኣ እንታዩ እቲሕክያ
     ኢትዮፕያ ኣውያት ድርቂ
     ሕንፍሽፍሽ ሃንደበት ከምበርቂ
     ኣባይ ተዓጽዩ
     ባቡር ኣፋጽዩ
     ባላሶ ተቀይሱ
      እዝኩሉ ኣውያት መሊሱ

      በሉ በሉ
ተቀበልዋ ተማሃሮና ኢኩም
ኣብገድሊ ተጠንቂቅና ኢና ኣጽዒናኩም
ኣሳሊና ኣብታ ቦታ ኣብጺሕናኩም
ሓድነት ጥምረት ሓይሊ ሚሂርናኩም
ኣይፋልና ኢልኩም ስቅ ኢልና ፈኒናኩም
ኢትዮፕያ ክትብትኑ ግን ሕጂውን ኣይፋልኩም
        እምበር
ኤረይ'ሲ ብዘገምታ'ያ ትከይድ
ጉያ ጉያ ኣይኣመላን'ዩ ስቅ ኢሉ ዝህድድ
ማንፈስቶ ውን ኣይጠባያን ኣይለመደቶን
ራኣዩለይ መርቁለይ ምባል ውን ኣይተዓለመቶን
ጎብየ ዩ ሽምና ከምጎብየ'ዩ ኣሳጉማና
ሳላ ጽንዓትና ንናይ ሓሶት እገዳ የእሪግና
ዝባኑ ቀይሩ ዘበን ሳላ ጽንዓትና
ሎሚ ደው ዘይበለ ሕልንኡ ከምዝተበትከ
ከትከት ዝበለ ከምበረድ ዝመከከ
ምቆት ጽንዓትና ይስሓን
ዝሓለፍና'ዮ መከራ ይምዘን

ዝክሪ ንሰማእታት
ዓወት ንሓፋሽ

ካብቶም ሰብ ገድሊ

Read 2385 times